tsvera

Slide 1
ራእይ

ስርዓት ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ተሃኒፁ ትካልና ማእኸል ፍልፍል መረዳእታን ሓበሬታን ኾይኑ ምርኣይ፣

Slide 2
ልኡኽ
Image is not available

ስርዓት ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ብምህናፅ ፅሬቱን ደረጅኡን ዝሓለወ መረዳእታታትን ሰነዳትን ብምፍራይን ድልዊ ብምግባርን ንተጠቀምቲ ምዝርጋሕ።

Slide 3
ሓበራዊ ክብሪታት
Image is not available

 መረዳእታ ሃፍቲ ምኻኑ ንኣምን!
 ድሕንነትን ምስጢራውነትን መረዳእታ ምሕላው መለለይና እዩ!
 ንሞያና ዝለዓለ ክብሪ ንህብ!
 ፅሬቱ ዝሓለወን ሓቀኛን ተኣማንን መረዳእታ ምፍራይ መለለይና እዩ!
 ብውፅኢት ስራሕና ንኣምንን ንዕቀንን!
 ንድሌት ህዝብን መንግስትን ቀዳምነት ንህብ!
 ንግዕዝይና ዝፅየፍን ዝቃለስን ሰራሕተኛ ንሃንፅ!
 ፍትሓውነትን ሚዛናውነትን መግለፂና እዩ!
 ኣብ ምህዞን ውፅኢት ቴክኖሎጅን ንኣምን!

previous arrowprevious arrow
next arrownext arrow

መእተዊ

ፅሬቱን እዋናዉነቱን ሓልዩ ዝፈረየ ስታስቲካዉን ስነ መሬታዉን መረዳእታ ንናይ ሓደ ዓዲ ማሕበረ ኢኮኖምያዉን ከምእውን ንናይ ስነ ህዝቢ ስራሕቲ ንዕቤት መነባብሮ ህዝብን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።ትካልና እዉን ዝተውሃቦ ልኡኽ እንትረኣይ ኣብ ኣተኣኻኽባ፣ ኣወዳድባን ዝርገሐን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ መረዳእታን ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ዝምልከት ፅፉፍ፣ ተኣማንን እዋናውን መረዳእታ ክዳሉን ዝእከብ መረዳእታ ድማ እዋናውነቱን ሓቃውነቱን እናረጋገፀ ክኸይድን ስታቲስቲካዊ መረዳእታ ንተጠቀምቲ ንምቕራብ ብተወሳኺ ዳህሳሳዊ መፅናዕትታት ብምክያድ መረዳእታ ብምፍራይ ነዚ መሳለጥቲ ዝኾኑ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ብምትእትታው ዝፈርዩ መረዳእታታት ንተጠቀምትን ውሳነ ወሃብትን ተበፃሒ ክኸውን ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ንምዕማም እዩ።

ድሕረ ባይታ

     ካብ 1983 ዓ.ም. ሃገርና ዘዕግብ ምዕባለ ማሕበረ ኢኮኖሚን ሓምለዋይ ልምዓትን  እናመዝገበት ከምዝመፀት ግልፂ እዩ፡፡ ምስዚ ዕብየት ተኣሳሲሩ ጠለብ ስታቲስቲካላዊን ምምሕዳራዊን መረዳእታ ብዓይነትን ሽፋንን ብዘገርም ቅልጣፈ እናዓበየ መፂኡ እዩ። እዚ ድልየት ብብርኪ ዓለም እውን ተራእዩ እዩ ። ንኣብነት ኣብ ዓለም ለካዊ ኣጀንዳ 2030ን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓትን ብግልፂ ዝተቀመጠ መትከል ዘላቒ ልምዓት ወላ ሓደ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንድሕሪት ክተርፍ ከምዘይብሉ ዝድንግግ እንትኮን ተግባራዊነቱ ንምፍላጥን ኣድላዩ ምምሕያሽ ንምግባርን ድማ  ሃገራት ክሳብ ታሕተዋይ ምምሕዳራዊ መሓዉርን ዝሽፍንን ዝርዝር መረዳእታ ንከፍርያን ንዝተፈላለዩ ዉሳነ ወሃብትን ተመራመርትን ኣካላት ክዝርግሓን ተደንጊጉ እዩ።  

   እዚ ብኣግባቡ ዝተረደአን ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊን መረዳእታታት ሓቃዉነቶም ኣብ ሕቶ ምእታዎም ዝተገንዘበን ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሃገርና መሪሕ ብምዃን ስርዓት ስታቲስቲክስ ክልልና ንምህናፅን ደረጅኡ ዝሓለወ ፣ ሓቃዊን እዋናዊን መረዳእታ ንምፍራይን ንምዝርጋሕን ዝዓለመ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ትግራይ ብዝብል ስም ኣብ መጋቢት 2010 ዓ/ም ብኣዋጅ ቁፅሪ 310/2010 ትካል ኣጣይሹ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ 2014 ዓ/ም መንግስቲ ትግራይ ኣብያተ ዕዮታት ትግራይ ብሓዱሽ ንምዉዳብ ብዝገበሮ ምንቅስቃስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ትካል ኣብ ምስራሕ ዝፀንሐ ትካል ማለት እውን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ትግራይን ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነትን ብሓባር ብምዉዳብ ከም ሓዱሽ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ተባሂሉ ክፅዋዕ ተገይሩ እዩ። ዕላማ ናይዚ ተወዲቡ ዘሎ ኤጀንሲ ድማ ንምድላው ፖሊሲ ፣ትልሚ፣ ክትትልን ገምጋምን ማሕበረ ኢኮኖሚ ክልልና ዝሕግዙ ስታቲስቲካዉን ስነ መሬታዉን መረዳእታን ሓበሬታን ምእካብ፣ ምውዳብ፣ ምትንታንን ምዝርጋሕን እዩ፡፡

Recent Post

No Posts Found!

News

Tigray statistics and vital registration agency 

Categories

    Scroll to Top